ብልስሉስ ዘውሩ
- ቀልጢፍኩም፣ ኣብ ትሑት ዙረት ሞተር፣ ማርሻ ኣልዕሉ።
- ንቕድሚት ጠምቱን ኣቐዲምኩም ግመቱን፣ ከምኡ ውሑድ ፍሬንን ምቅልጣፍን ትገብሩ።
- ፍጥነት ከተንክዩ ምስ ዘለኩም፣ ንኣብነት ናብ ቀይሕ መብራህቲ ክትቀርቡ ከለኹም፣ መኪና ብማርሻ ተኣሲራ ክትከይድ ግደፍዋ።
- ኣብ ህዱኣት መገድታት ክሩዝ ኮንትሮል (cruise control) ተጠቐሙ።
መኪናኹም
- ጸቕጢ ንፋስ ጎማታትኩም ብቐጻሊ ርኣዩ። ውሑድ ጸቕጢ ዘለዎም ጎማታት ዝያዳ ነዳዲ ይጥቀሙ፣ ውሑሳት ድማ ኣይኮኑን።
- ሳንዱቕ ናሕሲ (roof box) ወይ መጽዓኒ ናሕሲ ምስ ዘየድልየኩም ኣውርድዎ።
- ዘየድሊ ክብደት ኣይትጸዓኑ።
- ኤር ኮንዲሽን ተወሳኺ ነዳዲ ይጥቀም፤ ምስ ዘድሊ ተጠቐምሉ።
ውሑድ ምዝዋር፣ ውሑድ ምጽባይ
ንነዊሕ ግዜ ደው ምስ እትብሉ፣ ንኣብነት ኣብ ክፉት ድልድል፣ ሞተር ኣጥፍኡ። ጸቕጢ ትራፊክ ንምውጋድ ጉዕዞኹም ኣቐዲምኩም ኣዳልዉ፣ ንሓጸርቲ ጉዕዞታት ድማ ብሽክለታ ወይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሕሰቡ።
